• ንእምነት ብእምነት ምግዳል – መጽሓፍ ይሁዳ (Defending the Faith – Book of Jude)

    $12.50

    መልእኽቲ ይሁዳ ሓንቲ ካብተን ሓጸርቲ መልእክትታት ሓድሽ ኪዳን እያ። ብዓቐን ሓጻር እዃ እንተኾነት፡ ኣዚዩ ዓሚቕ ትሕዝቶን ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ድማ እዋናዊ መልእኽቲ ዝሓዘለት እያ። ኣተኩሮ ናይ መልእኽታ ድማ ነታ ሃዋርያት ብሕድሪ እተቐበልዋ፡ ናባና እዋን ዝሓለፈት፡ እታ ኣብ ኦሪትን ነብያትን መዛሙራትን፡ ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ሚልክያት ተጻሒፋ ዘላ እምነት ክንጋደለላን ክንዕቅባን ከምዘለና ዘተሓሳስብ እዩ። ነዛ እምነት ክንጋደለላ ዘድለየ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ከምቲ ኣብ ስርናይ ክርዳድ ዝርከብ ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ሶሊኾም ዝኣተዉ ግጉይ ትምህርቲ ድማ ዝምህሩ ኣሕዋት ሓሶት ስለዝነበሩ እዩ።
    እዞም ኣሕዋት ሓሶት ካብቲ ዝምህርዎ ትምህርቲ ንላዕሊ ብባህሪ ዝወደቐ መንነት ኣለዎም። ባህርን ጸጋን ክፈላለዩ ዘይግባእ ክነሱ እዚ ዘመን እዚ ልክዕ ከምቶም ብዘመን ይሁዳ ዝነበሩ ሰባት ናይ ክልቲኡ ሚዛን ምሕላው ዝተጸገምናሉ ዘመን እዩ። ባህርን ጸጋን ኣገደስቲ እዮም። እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ሓደ ንቤተክርስቲያን ምልኣት ኣይህባን። ጸጋ ኣጥፊእና ኣብ ባህሪ ዘተኮረ ኣስተምህሮ ከነብዝሕ ከሎና ቤተክርስቲያን ናብ ናይ ሕጊ ቤትምህርቲ ትቅየር። ባህሪ ኣጥፊእና ድማ ጸጋ ከነተኩር ከሎና መባላሸውትን ቀይድ በተኻትን ንኸውን። ስለዚ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣስተምህሮ የድልየና። እዞም ይሁዳ “ገሊኣቶም ግና…” ብምባል ዝጠቕሶም ዘሎ ብጸጋ ይኹን ብባህሪ ብኹሉ ዝወደቁን ዝዓለዉን እዩም። እዛ መጽሓፍ ድማ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሓቶታት ብምምላስ ከማይ ኢልና ነታ እምነት ከምእንጋደለላ ትሕብረና።
    • ነብያት ሓሶትን መምሃራንን ሓሶትን ባህሪኦም እንታይ ይመስል?
    • እንታይ ዓይነት ምህሮ እዮም ዝምህሩ?
    • ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌኦም እንታይ እዩ?
    • ከም ቅኑዓት ሰዓብቲ ክርስቶስ እንታይ ክንገብር ይግብኣና?
    • ብዛዕባ ናብ ጥፍኣት ንዝኸዱ ሰባት እንታይ ክንገብር ይግብኣና?
    እዛ መጽሓፍ ኣብ መወዳእታ ብሕብረት ዋይውን ብውልቂ ንመጽሓፍ ይሁዳ ከተጽንዓሉ ዝሕግዙ ሕቶታት ኣለዋ።

  • ታሪኽ ቤተክርስትያን ቅጺ-2 (Church History Vol.2)

    $30.00

    ታሪኽ ክርስትና ሰፊሕ ዓውዲ እዩ። ካብታ ፈለማ የሱስ ክርስቶስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዝኣወጀላ ጀሚሩ፡ ክሳዕ እዚ ዘመን ዚዝርጋሕ ፍጻሜታት፡ ሓሳባት፡ ግብርታትን ከኣ የጠቓልል። ኣብ ውሽጡ ዋሕዚ ዛንታታት ናይ ኣብ ክልተ መዋእላት ዓለም ዝተኸስተ ስልጣነታት ወዲ ሰብ ተሓቚፉ ኣሎ። ታሪኽ ቤተክርስትያን 2 መቐጸልታ ናይ ቀዳመይቲ ቅጺ ኮይና፡ ንማእከላይ መዋእል ናይ ታሪኽ ቤተክርስትያን ብዝርዝር ተዘንቱ። ነባቢ፡ ኣብዛ ቅጺ እዚኣ፡ ዛንታ ናይተን ዓበይቲ ሃይማኖታት ኣይሁድነት፡ ክርስትና፡ እስላም ከምኡውን ካልእ ኣረማዊ እምነታት፡ ኣብ ንሓድሕደን ዝነበረን ዝምድና፡ ወጥርን ግርጭታትን ኪረክብ እዩ። ኣብዚ መዋእል ዝተንስአን ሓዪሉ ኣብ ጥርዚ ናይ ስልጣነኡ ዝበጽሐን እስላም ክሳዕ ክንደይ ንቤተክርስትያን ከምዝበድሃ፡ ኪርኢ እዩ። መንግስቲ ባይዛንታይን፡ እታ ንሽሕ ዓመታት መመላእታ ዓብሊላ ዝነበረት መንግስተ-ክርስትና ከመይ ኢላ ከምዝወደቐት፡ ኣብቲ ወጥርታት መስቀላዊ ወፍርታት ከኣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከመይ ኢላ ገባሬ ነገስታትን ሃጸያትን ኽትከውን ከምዝበቕዐት ኪነብብ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ማእከላይ መዋእል ዝተራእየ ናይ መቐይሮ ክርስተታት ኣብ ስነመለኮት፡ ፍልስፍና፡ ስነጥበብን ስነፍልጠትን ኬስተብህል እዩ። ኣብዚ መዋእል፡ ጳጳስ ሮማ ኣድማሳዊ ኣቡን ኮይኑ፡ መሰረት ዘመናዊ ዓለም ተነቢሩ፡ ናይ ወንጌላዊ ተሓድሶ ቁልዒ ተወሊዑ፡ ዘመናዊ ባይታ ሃጸያዊ ምስፍሕፋሕ ተነቢሩ።

    ጸሓፊ፡ ንታሪኽ ቤተክርስትያን ንሓፈሻዊ ንባብን ከምእትበቅዕን፡ መወከስን ኮይና ከምእተገልግል ገይሩ ኣቕሪብዋ ኣሎ። ንፍጻሜታት ኮነ ዛንታታት፡ ብዝተኻእለ መጠን ብዝተፈላለዩ መወከስታ ምንጭታት ኣሰዩ ኣቕሪብዋ ብምህላዉ፡ ነበብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርእስትን ዛዕባን ዝያዳ መጽናዕቲ ንኼካይዱ ኽትሕግዞም እያ።

  • ክርስቶስ ኣብ መዝሙር ዳዊት (Christ in Psalms)

    $35.00

    ንሱ (የሱስ ክርስቶስ) ድማ፥ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግባኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም።
    (ሉቃ.24፡44)

    መዝሙር ዳዊት፣ ሓደ ግምዖ እቲ “መዝሙራት” ተብሂሉ ዘሎ መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን እዩ። እዛ “ክርስቶስ ኣብ መዝሙር ዳዊት” እትብል መጽሓፍ ከኣ፡ ምሉእ ትንታነኣዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ መዝሙር ዳዊት ዘይኮነትስ፡ ካብ 150 መዛሙር፡ ንቐንዲ ሸነኽ መንነት ክርስቶስ ኣጒሊሐን ዘርእያ፡ 12 መዛሙር ዝሓቘፈት እያ። ኣብዘን 12 መዛሙር “ክርስቶስ፡ ንሱ መን እዩ፧” ንዝብል ሕቶ፡ ክርስቶስ፣ ዘለኣለማዊ ወዲ ኣምላኽን መለኮታዊ ንጉስን (መዝ.2)፡ ኣምላኽ ብቐንዱ (መዝ.45)፡ እቲ ዘለኣለማዊ ጐይታ (መዝ.110)፡ እቲ ፈጣርን ዘለኣለማውን ኣምላኽ (መዝ.102) ዝብል ምላሽ ብምሃብ፣ ንሱ ንምድሓን ደቅ ሰብ ከም እተሰገወን (መዝ.40ን መዝ.8ን)፡ ብቓሉ ንህዝቡ ዝምህር ዓብዪ መምህር ምዃኑን (መዝ.78)፡ ግናኸ ኣብቶም ናቱ ምስ መጸ፡ በቶም ናቱ ከም እተነፍገ (መዝ.118)፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ከም እተሰቕለን ከም ዝሞተን፡ ግናኸ ንሞት ስዒሩ ከም ዝተንስአ (መዝ.22ን መዝ.16ን)፡ ንሰማይ ከም ዝዓረገን (መዝ.68)፡ በቲ ምዱብ ግዝያቱ ድማ ብኽብሪ ን1000 ዓመት ኣብ ምድሪ ክነግስ ክምለስ ምዃኑን (መዝ.132)፡ መጽናዕታዊ ትንታነ ዝሓዘት መጽሓፍ እያ።