ንእምነት ብእምነት ምግዳል – መጽሓፍ ይሁዳ (Defending the Faith – Book of Jude)
$12.50
Out of stock
Out of stock
Debit or Credit Cards payment options are available on checkout. Go to your cart to use these options.
Description
መልእኽቲ ይሁዳ ሓንቲ ካብተን ሓጸርቲ መልእክትታት ሓድሽ ኪዳን እያ። ብዓቐን ሓጻር እዃ እንተ ዀነት፡ ኣዚዩ ዓሚቕ ትሕዝቶን ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ድማ እዋናዊ መልእኽቲ ዝሓዘለት እያ። ኣተኩሮ ናይ መልእኽታ ድማ ነታ ሃዋርያት ብሕድሪ እተቐበልዋ፡ ናባና እዋን ዝሓለፈት፡ እታ ኣብ ኦሪትን ነብያትን መዛሙራትን፡ ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ሚልክያት ተጻሒፋ ዘላ እምነት ክንጋደለላን ክንዕቅባን ከም ዘለና ዘተሓሳስብ እዩ። ነዛ እምነት ክንጋደለላ ዘድለየ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ከምቲ ኣብ ስርናይ ክርዳድ ዝርከብ ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ሶሊኾም ዝኣተዉ ግጉይ ትምህርቲ ድማ ዝምህሩ ኣሕዋት ሓሶት ስለ ዝነበሩ እዩ።
እዞም ኣሕዋት ሓሶት ካብቲ ዝምህርዎ ትምህርቲ ንላዕሊ ብባህሪ ዝወደቐ መንነት ኣለዎም። ባህሪን ጸጋን ክፈላለዩ ዘይግባእ ክነሱ እዚ ዘመን እዚ ልክዕ ከምቶም ብዘመን ይሁዳ ዝነበሩ ሰባት ናይ ክልቲኡ ሚዛን ምሕላው ዝተጸገምናሉ ዘመን እዩ። ባህርን ጸጋን ኣገደስቲ እዮም። እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ሓደ ንቤተክርስቲያን ምልኣት ኣይህባን። ጸጋ ኣጥፊእና ኣብ ባህሪ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ከነብዝሕ ከሎና ቤተክርስቲያን ናብ ናይ ሕጊ ቤትምህርቲ ትቅየር። ባህሪ ኣጥፊእና ድማ ጸጋ ከነተኩር ከሎና መባላሸውትን ቀይድ-በተኻትን ንኸውን። ስለዚ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣስተምህሮ የድልየና። እዞም ይሁዳ “ገሊኣቶም ግና…” ብምባል ዝጠቕሶም ዘሎ ብጸጋ ይኹን ብባህሪ ብኹሉ ዝወደቑን ዝዓለዉን እዩም። እዛ መጽሓፍ ድማ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሓቶታት ብምምላስ ከመይ ኢልና ነታ እምነት ከም እንጋደለላ ትሕብረና።
• ነብያት ሓሶትን መምሃራንን ሓሶትን ባህሪኦም እንታይ ይመስል?
• እንታይ ዓይነት ምህሮ እዮም ዝምህሩ?
• ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌኦም እንታይ እዩ?
• ከም ቅኑዓት ሰዓብቲ ክርስቶስ እንታይ ክንገብር ይግብኣና?
• ብዛዕባ ናብ ጥፍኣት ንዝኸዱ ሰባት እንታይ ክንገብር ይግብኣና?
ብተወሳኺ እዛ መጽሓፍ ኣብ መወዳእታ ብሕብረት ወይውን ብውልቂ ንመጽሓፍ ይሁዳ ከተጽንዓሉ ዝሕግዙ ሕቶታት ኣለዋ።
Additional information
Author | Aron Tesfay |
---|---|
Pages | 154 |
Size | A5 (5.83 x 8.27 in) |
Reviews
There are no reviews yet.