እዛ መጽሓፍ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ናባና ኸም ዝመጸን ንሕና ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንቀርብ ከለና ኽህልወናን ክንክተሎን ብዛዕባ ዚግባእ ፍሉይ መምርሒታትን እያ እትገልጽ። እታ ኣብ 2ይ ጢሞቴዎስ 2፡15 “ቅኑዕ” እትብል ቃል፡ ካብ “ኦርታታመዮ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጽአት ኮይና፡ ትርጉም ናይዛ ቃል፡ ትኽንትኽ ምምቓል፡ ትኽንትኽ ምቁራጽ፡ ብቅኑዕ ኣገባብ ምሓዝ ማለት እዩ። ስለዚ እዛ “ቅኑዕ ኣመቓቕላ እቲ ቓል ሓቂ” እትብል መጽሓፍ ድማ፡ ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ከመይ ኢሉ ነቲ ቃል ሓቂ ከይጠወየ፡ ትኽንትኽ ብምምቓል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ኮኡኑ ንኽምህር ዝሕግዙ 14 መሰረታዊ ሕግታት ዝሓዘት መጽሓፍ እያ።
ንሱ (የሱስ ክርስቶስ) ድማ፥ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግባኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። (ሉቃ.24፡44)
መዝሙር ዳዊት፣ ሓደ ግምዖ እቲ “መዝሙራት” ተብሂሉ ዘሎ መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን እዩ። እዛ “ክርስቶስ ኣብ መዝሙር ዳዊት” እትብል መጽሓፍ ከኣ፡ ምሉእ ትንታነኣዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ መዝሙር ዳዊት ዘይኮነትስ፡ ካብ 150 መዛሙር፡ ንቐንዲ ሸነኽ መንነት ክርስቶስ ኣጒሊሐን ዘርእያ፡ 12 መዛሙር ዝሓቘፈት እያ። ኣብዘን 12 መዛሙር “ክርስቶስ፡ ንሱ መን እዩ፧” ንዝብል ሕቶ፡ ክርስቶስ፣ ዘለኣለማዊ ወዲ ኣምላኽን መለኮታዊ ንጉስን (መዝ.2)፡ ኣምላኽ ብቐንዱ (መዝ.45)፡ እቲ ዘለኣለማዊ ጐይታ (መዝ.110)፡ እቲ ፈጣርን ዘለኣለማውን ኣምላኽ (መዝ.102) ዝብል ምላሽ ብምሃብ፣ ንሱ ንምድሓን ደቅ ሰብ ከም እተሰገወን (መዝ.40ን መዝ.8ን)፡ ብቓሉ ንህዝቡ ዝምህር ዓብዪ መምህር ምዃኑን (መዝ.78)፡ ግናኸ ኣብቶም ናቱ ምስ መጸ፡ በቶም ናቱ ከም እተነፍገ (መዝ.118)፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ከም እተሰቕለን ከም ዝሞተን፡ ግናኸ ንሞት ስዒሩ ከም ዝተንስአ (መዝ.22ን መዝ.16ን)፡ ንሰማይ ከም ዝዓረገን (መዝ.68)፡ በቲ ምዱብ ግዝያቱ ድማ ብኽብሪ ን1000 ዓመት ኣብ ምድሪ ክነግስ ክምለስ ምዃኑን (መዝ.132)፡ መጽናዕታዊ ትንታነ ዝሓዘት መጽሓፍ እያ።