• Categories: By 0 min read

    • ክርስትና እንታይ እዩ? ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋህው እዩኸ መጺኡ? • እንታይ እዩ እቲ ንክርስትና ናብ መላእ ዓለም ከም ዚዝርጋሕ ዝገበሮ? ንምንታይ ብብዝሒ ስደት ኣብ ልዕሊ ሰዓብቱ ኪጠፍእ ዘይከኣለ? • ቀንዲ መትከል እምነት ክርስትና እንታይ እዩ? ከመይ ኢሉኸ ማዕቢሉ? • ክርስትና ከመይ ገይሩ ንስልጣነ ወድ ሰብ ኪዕቅብ ከኣለ? • ክርስትና ናብ ልዑል ደረጃ ምጽውዋር ደቂ ሰብ ከይምዕብል ዝሓለኾ እንታይ ነይሩ? ፈለማ ኩነታት ማእከላይ መዋእል ከመይ ይመስል ነይሩ?

    ጸሓፊ ታሪኽ ቤተክርስትያን፡ ነዝን ካልእን ሕቶታት ኣብዘን ሸውዓተ ምዕራፋት እዛ መጽሓፍ ኪምልስ ፈቲኑ ኣሎ። ብርግጽ፡ ኩሉ ሕቶታት ብዛዕባ ክርስትና፡ ኣብዛ ቅጺ እዚኣ ጥራይ ዚምለስ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ኣብዛ መጽሓፍ፡ ዓበይቲ ነጥብታት ካብ ታሪኽ ክርስትና ክንረክብ ኢና። ታሪኽ ክርስትና መሳጢ ዓውዲ ፍልጠት እዩ እሞ፡ ነባቢ ኣብቲ ባሕሪ ኣትዩ ኪሕምብስ ብፍልጠት ድማ ኪመልእ ዕድመ ጸሓፊ እዩ!

    ክርስትና፡ ኣብ ሓንቲ ሒደት ዝህዝባ፡ ካብ ርእሰ ከተማ መንግስቲ ሮማ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቓ እትርከብ፡ ገጠራዊት ከተማ ቤት-ልሄም ዝተወልደ ዛንታ ንጉስ ኣይሁድ፡ ፈላስፋታት ክሳዕ ዚጣበቑሉ፡ ነገስታት ክሳዕ ዚምእዘዙዎ፡ ወተሃደራት ክሳዕ ዚስውኡሉ፡ ኣረማውያን ክሳዕ ዚልወጡሉ፡ ስልጣነ ክሳዕ ዚትንስኣሉ ዓብዩ፡ ገኒኑን ምድሪ ኸዲኑን። ኣብ እስራኤል ጀሚሩ፡ ኣብ ወሰን ምድሪ፡ ኣብ ስጳንያ፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ክሳዕ ቀርኒ ኣፍሪቃ በጺሑ። እምበኣርከ ታሪኽ ክርስትና፡ ኣጋጣሚ ዝተኸስተ ፍጻሜታት ዘይኮነስ፡ ቀያሲት ኢደ-መለኮት ውጥን መዋእላት ዝሓንጸጸትሉ ሰሌዳ ግዜ እዩ። መጀመርታ ኣለዎ፡ ፍጻሜ ድማ ኣለዎ። ኣርእስቲ ኣለዎ መደምደምታ ድማ ኣለዎ። ተዋሳእቱ ውልቀ ሰባት እዮም፡ ገሊኦም ጭዋታት፡ ነገስታት፡ ሊቃውንቲ፡ ገሊኦም ከኣ ፈለስቲ፡ ሰበኽቲ፡ ተቓለስቲ፡ ወንጌላውያን ወይ ቀለስቲ ለውጢ።

    ነዚ ኹሉ ገለጻ ብምሃብ፡ እዛ መጽሓፍዚኣ፡ ንቐዳማይ ክፋል ታሪኽ ቤተክርስትያን ሒዛ ወጺኣ ኣላ። ዝርግሐኣ፡ ክርስትና ካብ ዝተወልደሉ ሃዋህው ስልጣነ ወድ ሰብ፡ ዘመን ኣውጉስጦስ ቄሳር ጀሚሩ፡ ክሳዕ ሮማዊ ዘመን ስደት፡ ሃጸይነት ባይዛንታይን፡ ክሳዕ ቅዱስ ሃጸይነት ሮማ፡ ዘመን ሃጸይ ሻርልሜይን ይበጽሕ።

  • Categories: By 0 min read

    ታሪኽ ክርስትና ሰፊሕ ዓውዲ እዩ። ካብታ ፈለማ የሱስ ክርስቶስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዝኣወጀላ ጀሚሩ፡ ክሳዕ እዚ ዘመን ዚዝርጋሕ ፍጻሜታት፡ ሓሳባት፡ ግብርታትን ከኣ የጠቓልል። ኣብ ውሽጡ ዋሕዚ ዛንታታት ናይ ኣብ ክልተ መዋእላት ዓለም ዝተኸስተ ስልጣነታት ወዲ ሰብ ተሓቚፉ ኣሎ። ታሪኽ ቤተክርስትያን 2 መቐጸልታ ናይ ቀዳመይቲ ቅጺ ኮይና፡ ንማእከላይ መዋእል ናይ ታሪኽ ቤተክርስትያን ብዝርዝር ተዘንቱ። ነባቢ፡ ኣብዛ ቅጺ እዚኣ፡ ዛንታ ናይተን ዓበይቲ ሃይማኖታት ኣይሁድነት፡ ክርስትና፡ እስላም ከምኡውን ካልእ ኣረማዊ እምነታት፡ ኣብ ንሓድሕደን ዝነበረን ዝምድና፡ ወጥርን ግርጭታትን ኪረክብ እዩ። ኣብዚ መዋእል ዝተንስአን ሓዪሉ ኣብ ጥርዚ ናይ ስልጣነኡ ዝበጽሐን እስላም ክሳዕ ክንደይ ንቤተክርስትያን ከምዝበድሃ፡ ኪርኢ እዩ። መንግስቲ ባይዛንታይን፡ እታ ንሽሕ ዓመታት መመላእታ ዓብሊላ ዝነበረት መንግስተ-ክርስትና ከመይ ኢላ ከምዝወደቐት፡ ኣብቲ ወጥርታት መስቀላዊ ወፍርታት ከኣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከመይ ኢላ ገባሬ ነገስታትን ሃጸያትን ኽትከውን ከምዝበቕዐት ኪነብብ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ማእከላይ መዋእል ዝተራእየ ናይ መቐይሮ ክርስተታት ኣብ ስነመለኮት፡ ፍልስፍና፡ ስነጥበብን ስነፍልጠትን ኬስተብህል እዩ። ኣብዚ መዋእል፡ ጳጳስ ሮማ ኣድማሳዊ ኣቡን ኮይኑ፡ መሰረት ዘመናዊ ዓለም ተነቢሩ፡ ናይ ወንጌላዊ ተሓድሶ ቁልዒ ተወሊዑ፡ ዘመናዊ ባይታ ሃጸያዊ ምስፍሕፋሕ ተነቢሩ።

    ጸሓፊ፡ ንታሪኽ ቤተክርስትያን ንሓፈሻዊ ንባብን ከምእትበቅዕን፡ መወከስን ኮይና ከምእተገልግል ገይሩ ኣቕሪብዋ ኣሎ። ንፍጻሜታት ኮነ ዛንታታት፡ ብዝተኻእለ መጠን ብዝተፈላለዩ መወከስታ ምንጭታት ኣሰዩ ኣቕሪብዋ ብምህላዉ፡ ነበብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርእስትን ዛዕባን ዝያዳ መጽናዕቲ ንኼካይዱ ኽትሕግዞም እያ።