• Categories: By 0.7 min read

    The Purpose of This Book

    The primary reason I prepared this book is to convey the fol¬lowing message to this generation: † For Unmarried Youth: To provide foundational guidance and caution as they look forward to friendship, engagement, and marriage, helping them avoid common mistakes. † For understanding the Covenant: To provide fundamental insights so that both the unmarried and the married can under¬stand the true meaning of the marriage covenant. † For success in Marriage: To help married couples succeed in their union, so they may serve as role models for their children and offer guidance and example to other couples. † For Conflict Resolution: This book is designed to offer basic solutions and advice for those experiencing difficulties or fric¬tion within their marriage.

    This book helps people make their marriage strong, loving, and meaningful, and also guides them to teach their children in the same way.

  • መልእኽቲ ይሁዳ ሓንቲ ካብተን ሓጸርቲ መልእክትታት ሓድሽ ኪዳን እያ። ብዓቐን ሓጻር እዃ እንተኾነት፡ ኣዚዩ ዓሚቕ ትሕዝቶን ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ድማ እዋናዊ መልእኽቲ ዝሓዘለት እያ። ኣተኩሮ ናይ መልእኽታ ድማ ነታ ሃዋርያት ብሕድሪ እተቐበልዋ፡ ናባና እዋን ዝሓለፈት፡ እታ ኣብ ኦሪትን ነብያትን መዛሙራትን፡ ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ሚልክያት ተጻሒፋ ዘላ እምነት ክንጋደለላን ክንዕቅባን ከምዘለና ዘተሓሳስብ እዩ። ነዛ እምነት ክንጋደለላ ዘድለየ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ከምቲ ኣብ ስርናይ ክርዳድ ዝርከብ ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ሶሊኾም ዝኣተዉ ግጉይ ትምህርቲ ድማ ዝምህሩ ኣሕዋት ሓሶት ስለዝነበሩ እዩ። እዞም ኣሕዋት ሓሶት ካብቲ ዝምህርዎ ትምህርቲ ንላዕሊ ብባህሪ ዝወደቐ መንነት ኣለዎም። ባህርን ጸጋን ክፈላለዩ ዘይግባእ ክነሱ እዚ ዘመን እዚ ልክዕ ከምቶም ብዘመን ይሁዳ ዝነበሩ ሰባት ናይ ክልቲኡ ሚዛን ምሕላው ዝተጸገምናሉ ዘመን እዩ። ባህርን ጸጋን ኣገደስቲ እዮም። እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ሓደ ንቤተክርስቲያን ምልኣት ኣይህባን። ጸጋ ኣጥፊእና ኣብ ባህሪ ዘተኮረ ኣስተምህሮ ከነብዝሕ ከሎና ቤተክርስቲያን ናብ ናይ ሕጊ ቤትምህርቲ ትቅየር። ባህሪ ኣጥፊእና ድማ ጸጋ ከነተኩር ከሎና መባላሸውትን ቀይድ በተኻትን ንኸውን። ስለዚ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣስተምህሮ የድልየና። እዞም ይሁዳ “ገሊኣቶም ግና...” ብምባል ዝጠቕሶም ዘሎ ብጸጋ ይኹን ብባህሪ ብኹሉ ዝወደቁን ዝዓለዉን እዩም። እዛ መጽሓፍ ድማ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሓቶታት ብምምላስ ከማይ ኢልና ነታ እምነት ከምእንጋደለላ ትሕብረና። • ነብያት ሓሶትን መምሃራንን ሓሶትን ባህሪኦም እንታይ ይመስል? • እንታይ ዓይነት ምህሮ እዮም ዝምህሩ? • ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌኦም እንታይ እዩ? • ከም ቅኑዓት ሰዓብቲ ክርስቶስ እንታይ ክንገብር ይግብኣና? • ብዛዕባ ናብ ጥፍኣት ንዝኸዱ ሰባት እንታይ ክንገብር ይግብኣና? እዛ መጽሓፍ ኣብ መወዳእታ ብሕብረት ዋይውን ብውልቂ ንመጽሓፍ ይሁዳ ከተጽንዓሉ ዝሕግዙ ሕቶታት ኣለዋ።