• መልእኽቲ ይሁዳ ሓንቲ ካብተን ሓጸርቲ መልእክትታት ሓድሽ ኪዳን እያ። ብዓቐን ሓጻር እዃ እንተኾነት፡ ኣዚዩ ዓሚቕ ትሕዝቶን ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ድማ እዋናዊ መልእኽቲ ዝሓዘለት እያ። ኣተኩሮ ናይ መልእኽታ ድማ ነታ ሃዋርያት ብሕድሪ እተቐበልዋ፡ ናባና እዋን ዝሓለፈት፡ እታ ኣብ ኦሪትን ነብያትን መዛሙራትን፡ ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ሚልክያት ተጻሒፋ ዘላ እምነት ክንጋደለላን ክንዕቅባን ከምዘለና ዘተሓሳስብ እዩ። ነዛ እምነት ክንጋደለላ ዘድለየ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ከምቲ ኣብ ስርናይ ክርዳድ ዝርከብ ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ሶሊኾም ዝኣተዉ ግጉይ ትምህርቲ ድማ ዝምህሩ ኣሕዋት ሓሶት ስለዝነበሩ እዩ። እዞም ኣሕዋት ሓሶት ካብቲ ዝምህርዎ ትምህርቲ ንላዕሊ ብባህሪ ዝወደቐ መንነት ኣለዎም። ባህርን ጸጋን ክፈላለዩ ዘይግባእ ክነሱ እዚ ዘመን እዚ ልክዕ ከምቶም ብዘመን ይሁዳ ዝነበሩ ሰባት ናይ ክልቲኡ ሚዛን ምሕላው ዝተጸገምናሉ ዘመን እዩ። ባህርን ጸጋን ኣገደስቲ እዮም። እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ሓደ ንቤተክርስቲያን ምልኣት ኣይህባን። ጸጋ ኣጥፊእና ኣብ ባህሪ ዘተኮረ ኣስተምህሮ ከነብዝሕ ከሎና ቤተክርስቲያን ናብ ናይ ሕጊ ቤትምህርቲ ትቅየር። ባህሪ ኣጥፊእና ድማ ጸጋ ከነተኩር ከሎና መባላሸውትን ቀይድ በተኻትን ንኸውን። ስለዚ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣስተምህሮ የድልየና። እዞም ይሁዳ “ገሊኣቶም ግና...” ብምባል ዝጠቕሶም ዘሎ ብጸጋ ይኹን ብባህሪ ብኹሉ ዝወደቁን ዝዓለዉን እዩም። እዛ መጽሓፍ ድማ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሓቶታት ብምምላስ ከማይ ኢልና ነታ እምነት ከምእንጋደለላ ትሕብረና። • ነብያት ሓሶትን መምሃራንን ሓሶትን ባህሪኦም እንታይ ይመስል? • እንታይ ዓይነት ምህሮ እዮም ዝምህሩ? • ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌኦም እንታይ እዩ? • ከም ቅኑዓት ሰዓብቲ ክርስቶስ እንታይ ክንገብር ይግብኣና? • ብዛዕባ ናብ ጥፍኣት ንዝኸዱ ሰባት እንታይ ክንገብር ይግብኣና? እዛ መጽሓፍ ኣብ መወዳእታ ብሕብረት ዋይውን ብውልቂ ንመጽሓፍ ይሁዳ ከተጽንዓሉ ዝሕግዙ ሕቶታት ኣለዋ።